Samenvatting van de aflevering
ንሎሚ 22 ጥቅምቲ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast
ንሎሚ 22 ጥቅምቲ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast
Afleveringen
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (22 ጥቅምቲ 2026)
Beluisterdንሎሚ 22 ጥቅምቲ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (22 ጥቅምቲ 2026)
Beluisterdኣርእስታት ዜና፥ ** በዓል ቤታ ንኣባል ባይቶ ፌደራል ሄለን ሄይንስ፡ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልቲአን እግራ ከምዝሰኣነት ኣፍሊጡ። ** ቅድሚ ዝመጽእ ሰሙን (27 ጥቅምቲ) ኣብ እስራኤል ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ንሓይልታት ምክልኻል እስራኤልን ሞሳድን ንስርዓት ኢራን ንምውዳቕ መምርሒ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ ** ሩስያ ምስ ኣሜሪካን ዩክሬንን ዝርርብ ሰላም ዳግማይ ክትጅምር ተሰማሚዓ፣ #sbsaudiopodcast
ኤርትራ ንጻውዒት ሰላምን ምትሕብባርን ምስ ኢትዮጵያ ምላሽ እንተዘይሂብ "ኣዝዩ ከቢድ፡ ከቢድ ፡ ከቢድ ሳዕቤን" ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ (ሓጸርቲ ዜናታት 21 ጥቅምቲ )
Beluisterd** ኣባል ፓርላማ ሀለን ሄንዝ ኣብ ከቢድን ግን ርጉእ ኩነታት ኣብዘላትሉ፡ ኣባላት ፓርላማ ብዛዕባ ኩነታት ጸጥጣ መለጺ ክወሃቦም’ዩ ... ** መንግስቲ UK ንሱዕዲ ዓረብ ዝህቦ ወተሃደራዊ ድገፍ ከምዘስፍሖ ኣፍሊጡ... #sbsaudiopodcast
“ተበራቢረ፡ ንገዛእ ርእሰይ ድማ ረኺበያ’ለኹ።” ሃይለ ገብሩ
Beluisterdሃይለ ገብሩ፡ ብሰፊሕ ኣተሓሳስባኡ ዝፍለጥ፡ ኣብ ንእስነቱ “ኣምላኽ የለን” ንዝብል ኮሚኒስታዊ ኣተሓሳስባ ንምምጓት መጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙ ዘንበበ ድሒሩ ግና ንማርክሳዊ ኣተሓሳስባ ተቐቢሉ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ዝሰበኸሉ ኣተሓሳስባ’ዩ። ኣብ ጥቓ ሱዳን ብህዝባዊ ሓልታት ንኽልተ ዓመት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ’ውን ከምኡ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ኣውስትራሊያ ቅድሚ ኣስታት 30 ዓመት ዝኣተወ እዩ። ሃይለ ገብሩ ኣብ ፖሎቲካን ንግድን ክነጥፍ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ኣብ ኣተሓሳስባኡ ለውጢ ኣምጺኡ ኣሎ። ብወዲ ማልታ ሓሳብን ጸሕፍን Edward de Bono ተጸልዩ ብ ደ ቦኖ ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ደጋጊሙ ብምንባብ ኣብዚ ኣተሓሳስባ ምርኩስ ዝገበረ ናይ ገዛእ ርእሱ መጽሓፍ ኣዳልዩን ብማሕበራዊ መራኸቢ ሓሳባቱ ክገልጽን ኣብ ምሽብሻብ ዝርከብ’ዩ። #sbsaudiopodcast
ኣባል ባይቶ ኣውስትራሊያ ብማኪና ተጋጭያ፡ ፖሎቲካዊ ምንህሃር ከይህሉ መጠንቀታታት ቀሪቡ፡ (ዕለታዊ SBS ዜና ትግርኛ 20 ጥቅምቲ)
Beluisterd** ኣባል ባይቶ ኣውስትራሊያ ሄለን ሃንዝስ ብመኪና ድሕሪ ምውቃዓ፡ ፖሎቲካዊ ጎንጺ ተኾኒኑ። ** ኣብ ፈረንሳ ድሕሪ ዝተፈጸመ ጎኖጻዊ ዕግርግር ምጽርራይ ዕንወት ክግበር ጀሚሩ። ** ኣብ የመን ኣብ ዝርከብ ማእከል ታዕሊም ብሰለስተ ባሊስቲክ ሚሳይላት ሖቲ ተወቒዑ። #sbsaudiopodcast
How laws change, and why it takes time | How Australia Works - ሕግታት ከመይ ይቕየሩ፡ ንምንታይ ከ ግዜ ይወስድ፧ | How Australia Works
BeluisterdHow do laws change in Australia? Through Rodney Croome’s campaigns for human rights and marriage equality, learn how personal stories, community action, courts and parliament can help change the law, and why the process can take time. - ሕግታት ኣብ ኣውስትራልያ ከመይ'ዮም ዝቕየሩ፧ ሮድኒ ክሩም ብዘካየዶም ጎስጓሳት ንሰብኣዊ መሰላትን ማዕርነት መርዓን፣ ውልቃዊ ዛንታታት፣ ተበግሶ ማሕበረሰብ፣ ኣብያተ ፍርድን ባይቶን ከመይ ኢሎም ሓደ ሕጊ ክልወጥ ከምዝሕግዙን ንምንታይ እዚ መስርሕ ግዜ ክወስድ ይኽእልን ተመሃሩ። How Australia Works is an SBS podcast that uses real stories and clear explanations to help you understand how government work in Australia, how laws are made and changed, and how you can have a say. Listen to the series and find shorter versions in 60 languages on the How Australia Works main page. - መደብ 'How Australia Works' መንግስቲ ኣብ ኣውስትራልያ ከመይ ይሰርሕ፣ ሕግታት ከመይ ይወጹን ይቕየሩን፣ ከምኡ'ውን ድምጽኹም ከመይ ተስምዑን ክትርድኡ ዝሕግዘኩም ንጹራት መግለጺታትን ሓቀኛ ዛንታታትን ዝጥቀም መደብ ፈነወ ፖድካስት'ዩ። መደብ 'How Australia Works' ንመንግስቲ ኣውስትራልያ፡ ሕግታትን ሲቪካዊ ተሳትፎን ንምርዳእ ዝሕግዝ ግብራዊ መምርሒ ኮይኑ፡ መጻእትን ብዙሕ ቋንቋታት ዝዛረቡ ማሕበረሰባትን ኣብ ግምት የእትዩ ዝተዳለወ እዩ። ኣብ ቀንዲ ገጽ መደብ…
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (19 ጥቅምቲ 2026)
Beluisterdቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (19 ጥቅምቲ 2026) #sbsaudiopodcast
ን ኢትዮጵያ ዝገጥምዋ ዘለዉ ዕጡቓት፡ 'ሓይልታት ምግንጻል' ክብል ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ሩብዮ ገሊጽዎም፡ (ዕለታዊ ዜና 19 ጥቅምቲ 2026)
Beluisterdኣርእስታት ዜና፥ ኤውሮጳ ብሰንኪ ቅልውላው ዋጋ መነባብሮ ብዝኻየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ተታሒዛ ትርከብ፣ ኣብ ፈረንሳ፣ ቤልጅየም፣ ፖርቱጋል፣ ኣልባንያን ኢጣልያን ዓበይቲ ሰልፍታት ተኻይዶም። መንግስቲ ለበር ክፍለ ግዝኣት ቪክቶርያ ኣብ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ምርጫ እንተተመርጹ፡ ኣብ ምሉእ ዓመተ 2027 ኣብ ሰሙን ክፍሊት ጽርግያታት (Road toll ) ካብ 30 ዶላር ንላዕሊ ከምዘይከውን ቃል ኣትዩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ተዛሪቡ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ሓይልታት "ተገንጸልቲ" ኢልዎም። #sbsaudiopodcast
"ሰራዊት ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዘዋፍሩሉ እዋን፡ እቲ ኩነታት ናብ ዝሰፍሐ ግጭት ክዓቢ ዝኽእለሉ ሓደጋ ኣሎ።" ማርኮ ሩብዮ
Beluisterdሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ብዝምልከት ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃቦ ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ሓይልታት "ተገንጸልቲ" ኢሉ ብምጥቃስ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ከምዘይድግፍ ገሊጹ። #sbsaudiopodcast
Are immigration cuts an economic solution or a political strategy? - ምንካይ ቁጽሪ ናብ ኣውስትራልያ ዝመጹ ሰባት ቁጠባዊ ፍታሕ ድዩ ወይስ ፖለቲካዊ ስትራተጂ?
BeluisterdAustralia's immigration debate has shifted dramatically. Despite no imminent federal election, both major parties are backing policies to reduce migration numbers and limit international students. - ክትዓት ብዛዕባ ኢሚግረሽን ኣብ ኣውስትራልያ ብዝለዓለ መጠን'ዮም ተቐይሮም። ክሳብ 2028 ፈረደራላዊ ምርጫ ዘይካየድ እንተኾን'ኳ ክልቲኦም ዓበይቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ንምቕናስ ቁጽሪ ፍልሰትን ምድራት ቁጽሪ ናይ ደገ ተመሃሮን ፖሊሲታተን ክሕግዙ'ዮም ኢለን ይማጎታ'ለዋ። #sbsaudiopodcast - #sbsaudiopodcast
ሩስያ፡ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ክትሽምግል ተበጊሳ። (ጸብጻብ)
Beluisterdኣውስትራልያ ንደቀንስትዮ ኢትዮጵያ ንምትብባዕ ውጽኢታዊ ስራሕ ትሰርሕ ከም ዘላ ኣፍሊጣ። ኤርትራዊት ኣብነታዊት ኣንስተይቲ ሓረስታይ ሓንቲ ካብ ጀጋኑ ደቂ ኣንስትዮ ትካል መግቢ ሕቡራት ሃገራት ኮይና። ሩስያ፡ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ክትሽምግል ተበግሶ ወሲዳ። ህወሓት ብፌደራል መንግስቲ ንዝቖመ 'ሞጕዚት ምምሕዳር' ትግራይ ነፂጉዎ። ኣብ ጋምቤላ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 20 ሰባት ተቐቲሎም፤ ምዕጻው ጽርግያታት ንከተማ ጋምቤላ ምስ ከባቢኣ ከይትራኸብ ከም ዝገበረ ውን ተሰሚዑ። #sbsaudiopodcast
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (15 ጥቅምቲ 2026)
Beluisterdኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራልያ ምስ ካልኦት ጉጅለ መራሕቲ ዓለም ብምዃን ነቲ ፕረዚደንት ፍልስጤም ሓፈሻዊ ምርጫ ንምንዋሕ ዝወሰዶ ውሳነ ኮኒናቶ። ** ምልሻታት ሑቲ የመን ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ናይ ሓደ ብስዑዲ ዓረብ ዝውነን ኩባንያ ነዳዲ ባርዕ ዘስዓበ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ተኣሚኑ። ** ኣሰልጣኒ ካንጋሩስ ኬቪን ዋልተርስ ጋንትኡ ኣቐዲማ ክትዕወት ምዃና ገሊጹ። #sbsaudiopodcast
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (15 ጥቅምቲ 2026)
Beluisterdቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (15 ጥቅምቲ 2026) #sbsaudiopodcast
“ሰራዊት ኣብይ ንዓሰብ ክሕዝ ከምዘይክእል ሚእቲ ካብ ሚእቲ ርግጸኛ’የ።” ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ
Beluisterdኣብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ ዝጀመረ ሓድሕድ ኲናት ናብ ዶብ ኤርትራ ተጸጊዑ ይርከብ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋንነት ባሕሪ ብምልዓል ንወደብ ዓሰብ ናይ ምቁጽጻር ክኒኡ ሓሊፉ'ውን ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ዘረባታት ካብ መራሒኣ ኣትሒዝካ ብወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ኢትዮጵያ ብጻዕቂ ይዝረበሉ ኣሎ። ብሓይሊ ወይ ብዲፕሎማሲ ወደብ ዓሰብ ከነምልስ ኣብዝበሃለሉ ዘሎ እዋን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ወጥሪ ገዲዱ ኣሎ። እዚ ዘሎ ወጥሪ ናበይ ገጹ'ዩ ከምርሕ፧ ኤርትራ ንዝመጻ መጥቃዕቲ ክትምክት ዓቕሚ ኣለዋ ድዩ? ዝብሉን ምስዚ ዝተሓሓዝ ሕቶታትን ምስ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ዘተኮረ ቃለ መሕትት። #sbsaudiopodcast
ሰራዊት ፌደራል ኢትዮጵያ ናብታ ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ እትርከብ ከተማ ዛላንበሳ ተጸጊዖም። (ጸብጻብ)
Beluisterdቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ከምዝተዘራረበ ገሊጹ ሰራዊት ፌደራል ኢትዮጵያ ናብታ ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ እትርከብ ከተማ ዛላንበሳ ከም ዝተፀገዐ ነበርቲ ኣረጋጊጾም። ቁጽሪ ናብ ኢትዮጵያ ንዝገሹ ዜጋታተን ሓድሽ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ዘውጽኣ ሃገራት ሸሞንተ በጺሑ። ብሰንኪ ኲናት ተደናጒዩ ዝጸንሐ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ናይ ዘመነ ትምህርቲ 2019 ዓ.ም ግእዝ ምምሃር ምስትምሃር ምጅማሩ ኣፍሊጡ። ሱዳን ኢትዮጵያ ንRSF ምድጋፍ እንተድኣ ኣቋሪጻ ዝርርብ ንምክያድ ድልውቲ ምዃና ገሊጻ። ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ኣብ ዓውዲ ምክልኻል ምትሕብባር ኣብ ዝኽእላሉ መንገዲ ከም ዝተዘራረባ ኣፍሊጠን። #sbsaudiopodcast
መስርሕ ፍርዲ ናይታ ኣብ ጀርመን ኣካላታ ተቖራሪጹ ዝተረኽበ ኤርትራዊት ስደተኛ ጀሚሩ። ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (14 ጥቅምቲ 2026)
Beluisterd*** ነቲ ናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋ ገዛ ኽራይ ገደብ ክግበረሉ ዝጽውዕ ድምጺ እናበዝሐ መጺኡ።... *** መስርሕ ፍርዲ ናይታ ኣብ ጀርመን ኣካላታ ተቖራሪጹ ዝተረኽበ ኤርትራዊት ስደተኛ ጀሚሩ። *** ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሪያድ ድሕሪ ዘጋጠመ ቀታሊ መጥቃዕቲ ሑቲ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዋንጫ ኤስያ ስክፍታታት ጸጥታ ኣለዓዒሉ። #sbsaudiopodcast
ለውጢ ኣብ ቪዛታት ናይ ኣውስትራሊያ
Beluisterdልዕሊ 150 ሽሕ ዝቐረቡ ናይ ወለዲ ቪዛ መመልከቲታት ዉሳነ ኣብ ዝጽበይሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሕግታት ናይ በጻሕቲ ቪዛ ዝተገብረ ለውጢ፡ ምስ ኣረጋውያን ወለዲ ዳግማይ ምርኻብ ዝያዳ ከቢድ ክገብሮ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ንገሊኦም፡ ልዑል ወጻኢታትን ዝነውሐ ናይ ምጽባይ ግዜን፡ ኣብ መንጎ ምቕጻል ህይወት ኣብ ኣውስትራልያ ወይ ምስቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዶም ምምራጽ ማለት እዩ። #sbsaudiopodcast
ስዑዲ ዓረብ ኣብ መዓርፎ ነፈርታ ሑቲ ንዝፈጸሞ ማዕበል መጥቃዕቲ ድሮናት ሕነ ከምትፈዲ ኣፍሊጣ። (ሓጸርቲ ዜናታት SBS 13 ጥቅምቲ 2026)
Beluisterd** ጾታዊ ምዕሩይነት ዒላማ ዝገበረ ልዕሊ 460,000 ሰራሕተኛታት ደሞዞም ክውስኽ’ዩ... ** ስዑዲ ዓረብ ኣብ መዓርፎ ነፈርታ ሑቲ ንዝፈጸሞ ማዕበል መጥቃዕቲ ድሮናት ሕነ ከምትፈዲ ኣፍሊጣ... ** ሶማል፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዘሎ ወጥሪ "ዘይሻራዊ" መርገጺ ከምትሕዝ ኣፍሊጣ። #sbsaudiopodcast
How laws are made, and how they affect you | How Australia Works - ሕግታት ከመይ ይወጹ፡ ንዓኹም ከ ከመይ ይጸልውኹም፧| How Australia Works
BeluisterdHow are laws made in Australia? Through Wurundjeri Elder Uncle Dave Wandin’s story of the Birrarung, also known as the Yarra River, learn how an idea becomes a bill, passes through Victoria’s parliament and receives royal assent, the formal approval that makes it law. - ኣብ ኣውስትራልያ ሕግታት ከመይ ይወጹ፧ ሽማግለ ዓዲ ዉራጁሪ ዝኾነ ዴይቭ ዎንዲን ብዛዕባ'ቲ ሩባ ያራ (Yarra River) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቡራሩንግ (Birrarung) እናዘንተወልኩም፣ ሓደ ሓሳብ ከመይ ኢሉ እማመ (ሕጊ) ይኸውን፣ ብባይቶ ግዝኣት ቪክቶርያ ይሓልፍ ወይ ይጸድቕን ሕጊ ዝገብሮ ክታም ክንበረሉ ወግዓዊ ምጽዳቕ (royal assent) ይግበረሉን ተመሃሩ። How Australia Works is an SBS podcast that uses real stories and clear explanations to help you understand how government work in Australia, how laws are made and changed, and how you can have a say. Listen to the series and find shorter versions in 60 languages on the How Australia Works main page. - መደብ 'How Australia Works' ብሓቀኛ ዛንታታትን ንጹር መግለጺታትን ኣቢሉ መንግስቲ ኣብ ኣውስትራልያ ከመይ ይሰርሕ፡ ሕግታት ከመይ ይወጹን ይቕየሩን ከምኡ'ውን ከመይ ሕቶታት ትሓቱ፡ ስክፍታታትኩም ተልዕሉን ድምጽኹም ተስምዑን ይገልጽ። ነዚ ተኸታታሊ መደብ How Australia Works ከምኡ'ውን ሓጸርቲ ጽሟቛት ትሕዝቶታቱን ኣብ…
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (12 ጥቅምቲ 2026)
Beluisterdቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (10 ጥቅምቲ 2026) #sbsaudiopodcast
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (12 ጥቅምቲ 2026)
Beluisterdኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ጥምረት ካብ ገለ እማመታት ፖሊሲ ፓውሊን ሃንሰን ከም ዝረሓቐ እንተገለጸ’ኳ፡ ኣጀንዳ ኢሚግሬሽን ዋን ኔሽን ንዓበይቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣውስትራልያ ይጸልዎም ኣሎ ዝብል ስክፍታታት እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ። መራሕቲ ናይቲ ብ ኮክሮች ጃንታ ፓርቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጉጅለ ምንቅስቓስ መንእሰያት ህንዲ፡ ፡ ኣንጻር ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምርጫ እታ ሃገር ተቓውሞኦም ክቕጽሉ ቃል ኣትዮም። ኣብ ኣብ ዉድድር ደቂ ተባዕትዮ መልበርን ማራቶን ኤልዮድ ኪፕቾገ ቀዳማይ ወጺኡ። #sbsaudiopodcast
ትራምፕ ንምንታይ’ዩ ንዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC) ማዕቀብ ዝገብረሉ ዘሎ፧ ንኣውስትራልያ’ኸ እዚ እንታይ ማለት’ዩ፧
Beluisterdማዕቀባት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ICC ንመሻርኽቲ ሃገራት ክኸፋፍለን’ንከሎ ንኣውስትራልያ ድማ ዲፕሎማሲያዊ ኣካይዳኣ ሚዛን ሒዙ ከምዝኸይድ ክትገብር ገይርዎ’ሎ። #sbsaudiopodcast
"ተኣምራታዊ ጸረ መጥቃዕቲ ክንፍኑ ኢና።" መራሕቲ ህወሓት ካብ ዘይተገልጸ ከባቢ። (ጸብጻብ)
Beluisterdኤምባሲ ኣውስትራልያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ዘርጊሑ። ብተመሳሳሊ መገዲ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ። ብሰንኪ ኲናት ተቛሪጹ ዝጸንሐ በረራ ናብ መቐለ ተጀሚሩ። ሚንስተር ጌታቸው ረዳ ዝርከቡዎም ሰበስልጣን ፌደራል ኣብ መቐለን ዓዲግራትን ዑደት ኣካይዶም። ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ትግራይ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ፌዴራል ከም ትጸንሕ ተዛሪቡ። ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ብረት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጉድኣት ወሪዱ። #sbsaudiopodcast
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (08 ጥቅምቲ 2026)
Beluisterdንሎሚ 08 ጥቅምቲ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (08 ጥቅምቲ 2026)
Beluisterd** ብ ፌካ (FECCA) ዝፍለጥ ፈደረሽን ቤት ምኽሪ ማሕበረሰባት ኢትኒክ ኣውስትራልያ፡ ሰልፊ ጥምረት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዓብይ ምጒዳል ዝወጠኖ ቅድሚ ዉዱእ ምግባሩ ንማሕበረሰባት ስደተኛታት ክውከስ ተላብዩ። ** እስራኤል ንሳልሳይ ዓመት መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ብ7 ጥቅምቲ ዝኽሪ ጌራ። ** ሊዮነል ሜሲ ናይ መወዳእታ ጸወታኡ ምስ ኣርጀንቲና ተጻዊቱ ሓንቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ። #sbsaudiopodcast
ኢትዮጵያ ንኤርትራ ወተሃደራታ ካብ ኢትዮጵያ ብህፁፅ ክትስሕብ ሓቲታ: ኤርትራ ብወገና ነዚ ክሲ ምላሽ ሂባ። (ጸብጻብ)
Beluisterdኢትዮጵያ ንኤርትራ ወተሃደራታ ካብ ኢትዮጵያ ብህፁፅ ክትስሕብ ሓቲታ። ኤርትራ ብወገና ወተሃደራታ ናብ ትግራይ ኣትዮም ንዝብል ክሲ ምላሽ ሂባ። ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ወተሃደራዊ ትካላት ኢትዮጵያ ናይ ነዊሕ ርሕቀት መጥቃዕትታት ክፍጸሙ ይኽእሉ 'ዮም ክብል ኣጠንቂቑ። ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ግጭትን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ስክፍታኡ ገሊጹ። ብሪጣንያ ብወገና ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ህይወት ዘድሕን ሓገዝን ዳግማይ ክጅመር ጸዊዓ። ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ሶሎዳ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ 5 ሰባት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ። ኢትዮጵያን እስራኤልን ብህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ምዝታየን ተገሊጹ። #sbsaudiopodcast
'ዮርዳኖስ ተወልደመድህን፡ ብምኽንያት እምነታ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይታ ኣላ።' ተጣባቒ እሱራት ሃኒባል ዳኒኤል
Beluisterdኣደ ሓደ ቆልዓ ዮርዳኖስ ተወልደመድህን ን2ዓመትን 10 ወርሕን ብምኽንያት እምነታ ተኣሲራ ድሕሪ ምጽናሕ ብ ዕለት 28 መስከረም 2026 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማይ ስርዋ ከምዝዓረፈት ካብ ኣባላት ስድራ ብዝተረኽበ ሓበሬታ ተፈሊጡ ኣሎ። ብዛዕባ ዮርዳኖስን ኩነታት እሱራት ብእምነትን ዝምልከት ተጣባቒ ሃኒባል ዳኒኤል መብርሂ ሂቡ ኣሎ። #sbsaudiopodcast
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (07 ጥቅምቲ 2026)
Beluisterd** ሰልፊ ጥምረት ወጢንዎ ዘሎ ምጉዳል ስደተኛታት ኣብ ሰራሕተኛታት ክንክን ኣረጋውያን ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል ተኣሚኑ... ** ብምሕንያት ጸገም ኩነታት ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ መላእ ፈረንሳ ናይ ተቕዉሞ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ ** ኖቫክ ጆኮቪች ንሻብዓይ ግዜኡ ዋንጫ ቻይና ኦፐን ተዓዊቱ፡ #sbsaudiopodcast
ብድሆን ሜላን ኣተዓባብያ ቆልዑ ኣብ ወጻኢ ምስ ኪኢላ'ዚ ዓውዲ ዶክቶር ዮሃንስ ፍስሃ።
Beluisterdኣተሕሳስባ ቆልዑን ዓብይትን ብኸመይ ክሰማማዕ ይኽእል፧ ኣብ ውጻኢ ንዝዓዩ ቆልዑ፡ ኣተሓሕዛ ወለዲ ከመይ ክኸውን ኣለዎ ዝብሉን ካልእ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቆልዑን ብድሆታቱን ኣመልኪትና ምስ ዶክቶር ዮሃንስ ፍስሃ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት። #sbsaudiopodcast
"ንጸላእትና ዘገድሶም ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከይትነግስ ጥራይ'ዩ።" ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ (ሓጸርቲ ዜና SBS ትግርኛ 6 ጥቅምቲ 2026)
Beluisterd** ነቲ ለውጢ ክሊማ ኣብ ሃገራት ፓሲፊክ ዘሕደሮ ጽልዋ ስጉምቲ ክውሰድ መራሕቲ ሃይማኖት ጸዊዖም። ** ኦሎምፒክ 2032 ብተፈጥሮ፡ እንስሳ ዘገዳምን መንነትን ኲንስላንድ ዝተደገፈ ኣርማ ጸወታታት ብሪስበን ወግዓዊ ኮይኑ። ** ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ናይ መኽፈቲ ኣኼባ ኣብይ ኣሕመድ ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኰይኑ ክቕጽል መሪጹ። #sbsaudiopodcast
Why power is split, and how that protects you | How Australia Works - ንምንታይ'ዩ ስልጣን ዝከፋፈል፡ ከምኡ ምዃኑ ኸ ንዓኹም ከመይ ይሕልወኩም፧ | How Australia Works
BeluisterdAfter receiving a fine for not wearing his motorbike helmet correctly, Hugo decides to have the matter heard in court. His story explains how Parliament, government and the courts have different roles, and how some official decisions can be questioned. - ናይ ሞተር ብሽግለታ ቆብዑ (ሀልመት) ብግቡእ ዘይምግባሩ መቕጻዕቲ ድሕሪ ምቕባሉ፣ ህዩጎ (Hugo) እቲ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ክረኣየሉ ወሲኑ። ዛንትኡ ባይቶ፣ መንግስቲን ኣብያተ ፍርድን ከመይ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታትን ዕማማትን ኣለዎምን ገሊኦም ወግዓዊያን ውሳነታት ከመይ ክሕተተሎም ወይ ክምጉተሎም ይከኣልን ይገልጽ። How Australia Works is an SBS podcast that uses real stories and clear explanations to help you understand how government work in Australia, how laws are made and changed, and how you can have a say. Listen to the series and find shorter versions in 60 languages on the How Australia Works main page. - መደብ 'How Australia Works' ንጹር መግለጺታትን ሓቀኛ ዛንታታትን ተጠቒሙ፡ መንግስቲ ኣብ ኣውስትራልያ ከመይ ይሰርሕ፣ ሕግታት ከመይ ይወጹን ይቕየሩን ከምኡ'ውን ድምጽኹም ከመይ ተስምዑን ክትርድኡ ይሕግዝ። ኣብ ቀንዲ ገጽ መርበብ ሓበሬታ How Australia Works ነዚ ተኸታታትሊ ትሕዝቶ ስምዕዎን ሕጽር ዝበሉ ትሕዝቶኦም ድማ ብ60 ቋንቋታት ርኸብዎምን።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (05 ጥቅምቲ 2026)
Beluisterdንሎሚ 05 ጥቅምቲ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (05 ጥቅምቲ 2026)
Beluisterdኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ የመን ዝካየድ ዉግእ ገዲዱ፡ ኣብ መሳለጥያታት ነዳዲ ሱዕዲ መጥቃዕቲ ኣየር ተፈጺ... ** ኣብ ተኣኪቦም ዝነበሩ ደገፍቲ ኒውካስል ናይትስ ብመኪና ረጊጹ 10 ሰባት ኣቑሲሉ ተባሂሉ ዝተኸሰሰ ወዲ 18 ዓመት መራሒ መኪና ዋሕስ ተኸልኪሉ።... ** ኣብ ግጥማት N-R-L ሲድኒ ሩስተርስ ናይዚ ዓመት ዋንጫ ዓቲራ፡... #sbsaudiopodcast
ግብጺ፡ ኤርትራ፡ ሱዳንን ሶማልያን ናይ ሓባር ዉሳኔአን ኣፍሊጠን… ጸብጻብ
Beluisterdመንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ መሰጋገሪ መንግስቲ ከቕውም ምዃኑ ኣፍሊጡ። ህወሓት ብወገኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ደብረዘይትን ሓዊስካ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ድሮን ሓላፍነት ወሲዱ። ኢትዮጵያ ንምትእትታው ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ከሲሳ ፤ ኤርትራ ብወገና ንሸውሃት መስኮት ባሕሪ ዝግበር ምስምስ ምዃኑ ገሊጻ። ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ዘተ ሰላም ክምለሳ ኣተሓሳሲባ። ኣብ ግብጺ ዝተጋብኡ መራሕቲ ሃገራት ግብጺ፣ ኤርትራ፣ ሶማልያን ሱዳንን ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፎም። #sbsaudiopodcast
መስርሕ ምምኽኻር ክለሳ SBS ጀሚሩ
Beluisterdብዙሓት ድርብ ቋንቋታት ዝዛረቡን ስደተኛታትን ስድራቤታት ናይ ገዛእ ርእሶም ውልቃዊ ምትእስሳርን ናይ SBS መደባት ብቛንቋኦም ኣብ ሬድዮ ናይ ምስማዕ ዝኽርታትን ኣለዎም። እቶም መደባት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ተቐይሮምን ሰፊሖምን እዮም፣ ሕጂ ድማ፣ SBS ነቲ በብእዋኑ ዝቕየር ማሕበረሰባትን ድሌታትን ዘመናዊት ኣውስትራልያ ንምንጽብራቕ ዳግመ ክለሳ ኣገልግሎት ቋንቋኡ ንምክያድ ይዳሎ ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ ካብ 5 ጥቅምቲ ክሳብ 13 ሕዳር ዝቕጽል ናይ ህዝቢ ምምኽኻር ግዜ ድማ የካየድ ኣሎ። #sbsaudiopodcast
Seismic: The Manchester City scandal and what happens now? - ዘንቀጥቅጥ፡ ውርደት ማንቸስተር ሲቲን መጻኢ ኣንፈቱን፧
BeluisterdManchester City appeals a ruling over 115 alleged financial breaches as questions grow over a decade of success. - ማንቸስተር ሲቲ ኣንጻር’ቲ ልዕሊ 100 ፋይናንሳዊ ሕግታት ጥሒሳ’ይሉ ገበነኛ ኮይኑ ዝረኸባ ውሳነ ይግባይ ኢላ’ላ። እቲ ውሳነ ነዛ ጋንታ ኣብ ማእከል ናይ’ቲ ዝዓበየ ውርደት ኣብ ታሪኽ ስፖርት ክኸውን ዝኽእል ከቐምጣ’ንከሎ ኣብ ልዕሊ’ቶም ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዘመዝገበቶም ውጽኢታትን ዓወታትን ድማ ምልክት ሕቶ ብምቕማጥ ኣብ ጠርጠራ የእትዮም ኣሎ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (01 ጥቅምቲ 2026)
Beluisterdንሎሚ 01 ጥቅምቲ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast
መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ክትወድቕ ተሓሲቡ ዝነበረ መደብ ፈሺሉ፡ (ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ 01 ጥቅምቲ)
Beluisterdኣርእስታት ዜና፥ ** ፖሊስ ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሲድኒ ኣብ ዝርከብ መካነ መቓብር እስላም ዝተፈጸመ ምፍርራስ መቓብራት ይምርምር ኣሎ። ** መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ዝመርሕ ዝነበረ ፓይለት ብመሳርሕቱ ተወጊኡ ክትወድቕ ተሓሲቡ ዝነበረ መደብ ፈሺሉ፡ እታ ነፋሪት ኣብ ሓደ መዕርፎ ነፋሪት ሱዕዲ ዓረብ ዓሊባ። ** ማንቸስተር ሲቲ ናይ 1.7 ቢልዮን ዶላር ፋይናንሳዊ ሕግታት ፕረምየርሊግ ብምጥሓሳ ገበነኛ ኮይና ድሕሪ ምኽሳሳን መቕጻዕቲ ክገጥማ ከምዝኽእል ተፈሊጡ። #sbsaudiopodcast
ሓደ ሰሙን ዝሓለፎ ሓድሕዳዊ ኲናት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እናሓየለ ይኸይድ ኣሎ ። (ጸብጻብ)
Beluisterdኣብ ከተማ ኣላማጣን ከባቢኣን ኣብ 3 መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 50 ሰለማውያን ሰባት ብደብዳብ ከቢድ ብረት ከም ዝተቐትሉ ነበርቲ ሓቢሮም። ናይ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ዝርከቦም ወገናት እቲ ሓድሕዳዊ ኲናት ጠጠው ክብል ልዝብ ክጅምር ጸዊዖም። ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምብራር ከምዝተኸልከለ ተገሊጹ። ምምሕዳር ዓፋርን ክልተ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቃወሙ ጉጅለታት ዓፋር ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ ክብሉ ከሲሶም። ብሓላፊ ቊጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉማጅ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ግብፂ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። #sbsaudiopodcast
"ኣብ ሆስፒታላት ኮረምን ኣላማጣን ዝኣተዉ ጉዳኣት ውግእ፡ ቍጽሮም ክሳብ 420 በጺሑ።" ሓካይም ብዘይ ዶብ፡ ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ
Beluisterd** ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝስጎጉ ስደተኛታት ክጅመር፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ኣፍቂዱ። ** ኣብ ሆስፒታላት ኮረምን ኣላማጣን ዝኣተዉ ጉዳኣት ውግእ፡ ቍጽሮም ካብ 180 ናብ 420 ክብ ከም ዝበለ 'ሓካይም ብዘይ ዶብ' (MSF) ኣፍሊጡ። ** መራሒት ሰልፊ ግሪንስ ኣውስትራሊያ ላሪሳ ዋተርስ ብስእነት ጥዕና ካብ ስልጣና ድህሪ ምውራድ እቲ ሰልፊ መራሒኡ ይመርጽ... #sbsaudiopodcast
መጠን ወለድ ልቓሕ ኣብዚ ዓመት ንራብዓይ ግዚኡ ወሲኹ፡
Beluisterdሪዘርቭ ባንክ ኣውስትራልያ ኣብዚ ዓመት ንራብዓይ ግዚኡ ንዝቕባበ ንምግታእ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ መጠን ወለድ ወሲኹ። ወግዓዊ መጠን ገንዘብ ኣብ 15 ዓመታት ዝለዓለ ደረጃ 4.6 ሚእታዊት በጺሑ ኣሎ፡ እዚ ዝኾነ ድማ ድሕሪ’ቲ ብሰሉስ ብ25 መሰረታዊ ነጥቢ ወሰኽ ምስ ኣርኣየ እዩ። ሰልፊ ጥምረት ምኽንያት ናይዚ ንወጻኢታት መንግስቲ ክወቅስ እንከሎ፡ ሰልፊ ሌበር ድማ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ቀንዲ ጠንቂ ምዃኑ የመልክት። #sbsaudiopodcast
ኣባላት ጸጥታ ፈደራል ዝርከብዎም ወከልቲ ትካላት ካብ ትግራይ ከምዝወጻኡ ተፈሊጡ ... ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (29 መስከረም 2026)
Beluisterd** መንጐኛታት ቀጠር፡ ነቲ ኣብ ኢራን ዝግበር ዘሎ ኲናት ንምቁራጽ ሓድሽ ድፍኢት ንምግባር፡ ምስ ሰብ መዚ ኢራንን ኣመሪካን ይዛተዩ ኣለዉ... ** ሪዘርቭ ባንክ መጠን ወለድ ናብ 4 ነጥቢ-6 ሚእታዊት ክውስኽ ምዃኑ ክገልጽ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን፡ ወነንቲ ናይ ልቓሕ/ ሞርጌጅ ኣባይቲ ኣብ ቅድሚኦም ከቢድ ግዜ ከምዘሎ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ።... ** ኣባላት ጸጥታ ፈደራል ዝርከብዎም ዓለምለኻዊ ወከልቲ ካብ ትግራይ ከምዝወጻኡ ተፈሊጡ ... #sbsaudiopodcast
Who really runs Australia, and where you fit in | How Australia Works - ኣውስትራልያ መን’ዩ ብሓቂ ዘካይዳን ዝመርሓን፣ ቦታኹም ከ ኣበይ’ዩ፧ | How Australia Works
BeluisterdDo you know who can help you with a business permit, a rental problem or family support? Through the stories of Fedele, Carol and Abeer, learn how Australia’s three levels of government work. Find out what local, state or territory, and federal governments are responsible for and where to turn for help. - ኣብ ፈቓድ ንግዲ፣ ጸገም ገዛ ኽራይ ወይ ደገፍ ንስድራቤት መን ክሕግዘኩም ይኽእል ትፈልጡ ዶ፧ ብመንገዲ ዛንታታት ፈደለ፣ ካሮልን ኣቢርን ኣቢልኩም ሰለስቲኦም ቀጸላታት (ደረጃታት) መንግስቲ ከመይ ይሰርሑ ተመሃሩ። ከባቢያዊ፣ ግዝኣታዊ ወይ ዶባዊ ምምሕዳርዊ፣ ከምኡ'ውን ፈደራላዊ መንግስታት እንታይ'ዩ ሓላፍነቶምን ሓገዝ እንተደሊኹም ናብ መኖም ትኸዱን ፍለጡ። How Australia Works is an SBS podcast that uses real stories and clear explanations to help you understand how government work in Australia, how laws are made and changed, and how you can have a say. Listen to the series and find shorter versions in 60 languages on the How Australia Works main page. - መደብ 'How Australia Works' ኣብ ኣውስትራልያ፣ መንግስቲ ከመይ ይሰርሕ፡ ሕግታት ብኸመይ ይወጹን ይቕየሩን፡ ከምኡ’ውን ድምጽኹም ከመይ ከተስምዑ ትኽእሉን ክትርድኡ ዝሕግዘኩም፣ ሓቀኛ ዛንታታትን ንጹር መግለጺታትን ዝጥቀም ፈነወ SBS እዩ። ነዚ ተኸታታሊ መደብ ስምዕዎን ሓጸርቲ…
You are already inside the system | How Australia Works - እዛ ሃገር ኣብ ትጥቀመሉ ኣስራርሓ ሕጊ እትዋት ኢኹም | How Australia Works
BeluisterdHow do Australia’s governments, laws and public services affect your everyday life? Through real stories, this introduction to the series shows you where to start when you need information and support, and how to question a decision. - መንግስታት፡ ሕግታትን ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ኣውስትራልያ ንዕለታዊ ህይወትኩም ብኸመይ ይጸልዉዎ? ብሓቀኛ ዛንታታት ኣቢሉ፡ እዚ መእተዊ ናይ’ቲ ተኸታታሊ መደብ፡ ሓበሬታን ደገፍን ኣብ ዘድልየኩም እዋን ካበይ ትጅምሩን፡ ንሓደ ውሳነ ድማ ብኸመይ ትብድህዎን ትሓቱን የርእየኩም። How Australia Works is an SBS podcast that uses real stories and clear explanations to help you understand how government work in Australia, how laws are made and changed, and how you can have a say. Listen to the series and find shorter versions in 60 languages on the How Australia Works main page. - መደብ 'How Australia Works' ኣብ ኣውስትራልያ፣ መንግስቲ ከመይ ይሰርሕ፡ ሕግታት ብኸመይ ይወጹን ይቕየሩን፡ ከምኡ’ውን ድምጽኹም ከመይ ከተስምዑ ትኽእሉን ክትርድኡ ዝሕግዘኩም፣ ሓቀኛ ዛንታታትን ንጹር መግለጺታትን ዝጥቀም ፈነወ SBS እዩ። ነዚ ተኸታታሊ መደብ ስምዕዎን ሓጸርቲ ትሕዝቶታት ብ60 ቋንቋታት ኣብ ቀንዲ ገጽ How Australia Works ርኸቡ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (28 መስከረም 2026)
Beluisterdንሎሚ 28 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast
ጃፓን፥ ኣብዚ ዓመት 100 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም 100 ሽሕ ሰባት ዘለዉዋ ሃገር ብምዃን ክብረወሰን ሰይራ።
Beluisterdጃፓን፥ ኣብ ዓለም ፈላሚት ኣብዚ ዓመት 100 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም 100 ሽሕ ሰባት ብምህልዋ ንዝጸንሐ ክብረወሰን ሓሊፋቶ። ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ዕዮን ድሕነትን እታ ሃገር፡ ቁጽሪ ደቂ ሚእቲ ዓመት ጃፓን ንመበል 56 ተኸታታሊ ዓመት ወሲኹ ናብ 107,677 በጺሑ- ካብዚኦም 88 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ እየን። ግን ብኸመይ? ብሓቂኸ ልዕሊ 100 ዓመት ክንበጽሕ ክንነብር ንደሊ ዲና? ... #sbsaudiopodcast
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (28 መስከረም 2026)
Beluisterdኣርእስታት ዜና፥ መንግስቲ ፌደራል እቲ ቫይረስ እናሰፍሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣብ ዙርያ ጉንፋዕ ኣዕዋፍ ንቕሓት ህዝቢ ንምዕባይ ዝዓለመ ሃገራዊ ወፍሪ ጀሚሩ፣ ። ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ኣብ መላእ ዓለም ብድኽነት፣ ግጭትን ምዝንባልን ዝተሃስዩ ሰባት ንምሕጋዝ ናይ ልዕሊ 810 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ቃል ኣትያ። ሆላንዳዊት ተቐዳዳሚት ደሚ ቮለሪንግ ኣብ ሞንትርያል ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጽርግያ ደቂ ኣንስትዮ ዋንጫ ዓለም ተዓዊታ። #sbsaudiopodcast
ዓዀዄይ ዓዀዄይ ኲናት ውፃእ ሰላም እቶ . . .
Beluisterdበዓል መስቀል፡ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስትያን ኢይቶጵያን ኤርትራን፡ ነቲ እየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቐለሉ መስቀል፡ ን ኣማኢት ዓመታት ካብ ዝተቐበረሉ መሬት ዝወፀሉ ኩነት ንምዝካር ፡ ዳሜራ ኣንዲዶም፡ ዝዝክሩሉ በዓል እዩ። ኮይኑ ግና መስቀል መንፈሳዊ ጥራይ ዘይኮነስ ኣካል ንባህሊ፡ ጥበብን ፍልስፍናን እዞም ማሕበረሰባት ዝፀሉ ትውፊት ኮይኑ ንረኽቦ። ሃይሉ ሳህለ ኣከባብራ በዓል መስቀል ኣብ ትግራይ ዝምልከት ዘቕረቦ..... #sbsaudiopodcast
ክንደይ ዝኣክል ሓበሬታ ጥዕና'ዩ OpenAI ብዝውንኖ AI Agent ተሰሪቑ፧ ብዛዕባ'ቲ ምስርሳር (hack) ኩሉ'ቲ ሓቂ ተነጊሩና ድዩ፧
Beluisterdሓደ ኤጀንት OpenAI "ሓጹር ዘሊሉ" ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ/ፖርታል Medicare (ሜዲኬይር) ሰርሲሩ ኣትዩ። #sbsaudiopodcast
ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ትግራይ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ። ውግእ ኣብ ወሰን ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ቀጺሉ፤ (ጸብጻብ)
Beluisterdኤምባሲ ኣውስትራልያ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሓደጋ መጠንቀቕታ ኣብ ኢትዮጵያን ጁቡቲን ዘርጊሑ ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣድማዒ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ከም ዘካየደ ተሓቢሩ። ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ትግራይ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ። ውግእ ኣብ ወሰን ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ቀጺሉ፤ ኣብ ትግራይ ድማ ስልክን ባንክን ተዓፅዩ። ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ 'ከም ገበን ኲናት' ክምርመር ጸዊዑ። #sbsaudiopodcast